close
language
icon for Virtual Volunteer-white_Elena

ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ዚገልጽ ሓበሬታ -05/10/2020 .

ብ ዕለት 05/10/2020 ባይቶ ኣገልገልቲ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ኣጽደቐ። 

እቲ ሕጊ ኸምዚ ይብል፦ 

ሕጂ ፍሉይ ዕቝባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ዕቝባ እንደገና ምትእትታው። 

ንክልተ ዓመት ዝቕጽል ኮይኑ ፣ ናብ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክትቅይሮ ትኽእል (ቅድሚኡ ንሓደ ዓመት ጥራይ ኢዩ ነይሩ ክልወጥ እውን ኣይክእልን እዩ ነይሩ )። 

ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብቕዓታት እዚ ዝስዕብ ውን ክወሃብ ይከኣል ኢዩ – 

እቶም እንተ ተሰጒጎም ስቓይን ኢሰብኣውን ሕሱርን ኣተሓሕዛን ምጥሓስ መሰረታዊ መሰላት ዝወርዶም፣ 

ንኣገዳስነት ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብን፡ ዕቝባ ናይ ብሕትን ህይወት ናይ ስድራ ቤትን ኣፍልጦ ምሃብ። 

ብመሰረት ብ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ዝተመስረተ ሕጊ ዝሰማማዕ ፡ እቶም ዕቝባ ዝሓተቱ ናይ መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ናይ ዕቝባ

እቶም ዕቝባ ዝሓተቱ ናይ መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ናይ ዕቝባ መመልከቲ ወረቐት ጥራይ ምስ ረኸቡ ከመልክቱ ኺፍቀደሎም እዩ ። 

እቲ ሕጊ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብይን ሃበ ፦ 

ነቶም ዕቝባ ዝሓቱን ናይ ፍሉይ ዕቝባ ዚሓዙን ሰባት ናብ ካልኣይ መቀበሊ መስርሕ(ኤስ....) ብፍሉይ ኣገልግሎት ጌርካ እንደገና ምትእትታዎም ። 

ማሕበራውን ቍጠባውን ዕቝባ ዘለዎም ሰባት ኣብ ማእከላት ተቐበልቲ ጋሻ ድሕሪ ምዝዛሞም እውን ፕሮግራማት ንምቛም ጻዕሪ ይግበረሎም። 

እተን ንድሕነት ዚእዘዛ መራኽብ ትእዛም ምስ ዘየተግብራ ፣እንተ ወሓደ ናይ 10.000 ዩሮ ኽሳዕ 50.000 ዩሮ መቕጻዕቲ the ከምኡ ውን እንተ በዘሐ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ቤት ማእሰርቲ ይቅጽዑ፣ እቲ ዝለዓለ ክእሰርሩሉ ዘለዎም ዝለዓለ እዋን ካብ 180 መዓልቲ ናብ 90 መዓልቲ ይንኪ፣ ናብ መበቆል ሃገር ንምምላስ ዚግበር ውሳነ ን30 መዓልቲ ኺውስኽ ይኽእል እዩ። 

እቶም ኣብ ልዕሊ ሰባት ወይ ነገራት ብዝፈጸምዎ ገበን ብ መርትዖ ናይ ቪድዮ ወይ ስእሊ ተሓተቲ ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ኪእሰሩ ይኽእል። 

ናይ ዜግነት ንምርካብ ዚጽበየሉ ግዜ ካብ 4 ናብ 3 ዓመት ነኪዩ(ቅድሚ ናይ ሳልቪኒ ኣዋጃት 2 ዓመት እዩ ነይሩ ።)