close
language
icon for Virtual Volunteer-white_Elena

መምርሒ ንመሰላትካ፦

ኣብ ኢጣልያን ኣውሮጳን መሰረታዊ መሰላትካ እዚ ዝስዕብ ኢዩ – 1)ግዳይ መስጐጕቲን ኣድልዎን ናብ እትዀነሉ ሃገር ከይትምለስ ፣ 

2)ሓደ ኣባል ተኣፈፍቲ ጕጅለታት” (ንኣሽቱ፡ ጥኑሳት ኣንስቲ፡ ስንኩላን፡ ግዳያት ከቢድ ሕማም፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ፡ ወይ ጾታዊ ዓመጻ፡ ግዳያት ንግዲ ሰባት ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንታሕቲ ዝዀነ ውሉድ ዘለዎ ወላዲ እዩ፣)” እንተ ዄንካ ኣብ ኢጣልያ ኽትጸንሕ ክትስጐጕ ከምዘይብልካን። 

3) መሰረታዊ ክንክንን ሕክምናን ብናጻ ክትረክብ ምሉእ ጥዕናዊ መርመራን ብናጻ ክትረክብ ክትረክብ ትኽእል። ከም ኣንስትን፡ ንኣሽቱን ናይ ካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ፡ ፍሉይን ናጻን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፣ 

4)ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሳዕ ምግብን ማይን ኣብ ዚወሃበሉ ማእከላት ተቐበልቲ ጋሻ እኹል ቀረብ ኣብ ዘለዎ ብሰባት ኣብ ዘይተጨቓጨቐ ቦታታት ክትቅመጥን። 

5)በቲ እትርድኦ ቛንቋ ብዛዕባ መሰላትካን ብኸመይ ዑቅባ ከምትሓትትን ፡ ኣገዳሲን እዋናውን ሓበሬታ ብዛዕባ ዘቅረብካዮ ናይ ዑቅባ ሕቶ ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ እትሓድረሉ ማእከል ኣከባብን ሓበሬታ ክወሃበካ መሰልካ ኢዩ። 

5)ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቕዳሕ ኵሉ እቲ እትቕበሎ ኣገዳሲ ሰነዳት

6)ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቕዳሕ ኵሉ እቲ እትቕበሎ ኣገዳሲ ሰነዳት ንምሓዝ፡ እንታይ ከም እተቐበልካ ንምርዳእ ፡ንክትርድኦ ዘይከኣልካ ሰነዳት ምፍራም ምእባይ ። 

7)ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ኣዝማድካን ፈተውትኻን ኣብ ዓድኻ ወይ ኣብ ኢጣልያን ኣውሮጳን ዘለዉ ክትራኸብ ከምኡውን ምስ ባህላውን ዘመናውን ማእከላት ንምርኻብ መሰል ኣለካ።