close
language
icon for Virtual Volunteer-white_Elena

ክንክን ጥዕና ኣብ ኢጣልያ

ኣብ ኢጣልያ ስሩዕ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ኣውሮጳዊ ዘይኰነ ዜጋ
እንተ ዄንካ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዚርከብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና
ክትምዝገብ ኣሎካ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ
ብኣኻ ዝናበዩ ኣባላትካ ስድራ ቤትካ ውን ይወሃብ ኢዩ። ንክትምዝገብ;
ናይ መንበሪ ፍቃድ፡ ኮድ ግብሪ፡ ናይ መንበሪ ፍቃድ ምስክር ወረቀትን
የድልየካ። ምስ ተመዝገብካ ልክዕ ከም ንዜጋታት ኢጣልያ ዝወሃብ
መሰላትን ኣሎካ።
ስሩዕ ናይ መንበሪ ፍቓድ ውን እንተ ዘይብልካ ኵሎም እቶም ብህጹጽ
ዚተሓከምካዮም ሕማማትን: ሆስፒታላዊ ክንክነነ ውን መሰል ኣሎካ።
ሕክምና ዘድልየካ እንተ ኮይኑ ሕጋዊ ፍቓድካ ብዘየገድስ ናብ
መሳለጥያታት ክንክን ጥዕና ኢጣልያ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
ናብ መሳለጥያታት ጥዕና ምእታው ኪበሃል ከሎ – እንትርፎ ኣብ
ፍልይ ዝበለ ኩነታትን ግድነትን ን ሂወት ኻልኦት ዜጋታት ንምዕቋብ
ምስ ዝተኣሳሰር እንተዘይኮይኑ – ኣብ ንቡር ግዜ ንሰበ-ስልጣን ፖሊስ
ጸብጻብ ምሃብ ዘጠቓልል ኣይኰነን።
ሕክምናዊ ክንክን ዘድልየካ እንተ ኮይኑ ናብቲ ኣብ ጥቓኻ ዚርከብ
ጨንፈር ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ ተወከስ ወይ ከኣ ንህዝቢ
ዘገልግል ን 24 ሰዓታት ኣብ መስመር ዝርከብ ቁጽሪ ናይ ሲ.ኣር
( 800.ዐ665510 ) ብ ነጻ ደውል። ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ
መወከሲ ጥዕና ክሕብረካ እዩ።
መወከሲ ጥዕና ክሕብረካ እዩ።