close
language
icon for Virtual Volunteer-white_Elena

ግብራዊ መምርሒ(መእተዊ ንናይ ኢድካ ምሃብ ኣገባባት) ፦

ናብ ኢጣልያ ምስ በጻሕካ ናብ መስርሕ ዕቝባ ክትኣቱ እትኽእለሉ ቐዳማይ መስርሕ መብዛሕትኡ ግዜ መንነትካ (ኣይደንቲፊካዚዮን) ምግባር እዩ፦ 

ፖሊስ ስእሊ ይስእሉኻ፡ ብሕታዊ ሓበሬታኻ (ስምካን ስም

ፖሊስ ስእሊ ይስእሉኻ፡ ብሕታዊ ሓበሬታኻ (ስምካን ስም ስድራኻን ቦታን ዕለተ ልደትካን) ይምዝግቡ ኣሰር ኣጻብዕካ ድማ ይወስዱ( impronte digitali)። እዚ ናይ መንነት ምልላይ መስርሕ ፣ ሓደ ስደተኛ ዕቝባ ንምርካብ ምስ ዝሓትት ፡ ብዘይ ስሩዕ ሰነድ ናብ ኢጣልያ ክኣቱ ከሎ ብፖሊስ ምስ ዝተሓዝ ወይ ኣብ ባሕሪ ምስ ዝድሕን ኢዩ ዝካየድ ። ብባሕሪ ወይ ብመሬት ወይ ኣብ ማእከል ተቐበልቲ ጋሻ ኣብ ትጸንሓሉ ግዜ እዚ ናይ መንነት ምልላይ መስርሕ ይካየድ ። 

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ኣሰር ኣጻብዕቲ ክትህብ ዘይምድላይ ሓደገኛን ዘይሕጋዊ ይገብረካ ከምኡ ውን ኣብ ሲ. . ኣር. (ኣብ ናይ መምለሲ ማእከል ኣብ መምሕዳራዊ ማእሰርቲ ክትእሰር ትኽእል ) ኪእሰሩ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እዩ። 

ኣብ ኢጣልያ ምስ በጻሕካ ናብ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ማእከላት ትለኣኽ፥ 

ሆትስፖትስ/..ኤስ.አ ፡ ካብ 2016 ኣትሒዙ መንግስቲ ኢጣልያ ንገሊኡ ሲ..ኤስ.አ ከም ሆትስፖትስ ከገልግላ ኣዚዙ ።እቲ ሕጊ ኣብዘን ማእከላት እዚኣተን ኣየናይ ኣሰራርሓታት ከም ዝፍጸም ንጹር ሕጋዊ መግለጺ ኣይህብን ኢዩ ፡ እቲ ዝጸንሓሉ እዋን ብእተኻእለ መጠን ሓጺር ክኸውን እኳ እንተለዎ ብገለ መኽንያታት ኣብኡ ንሓያሎ መዓልትታት ወይ ሰሙናት ክትእሰር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ እዋን እዚ ላምፐዱሳ: ፖዛሎ;: ትራፓኒ :ታራንቶ ዚብሃል ኣርባዕተ(4) ሆትስፖትስ ተኸፊቱ ኣሎ ። ብመሰረት እቲ ኣብ መንግስቲ ኢጣልያ ዝርከብ ስታንዳርድ ኦፐሬቲንግ መስርሕ (SOP) ተገሊጹ ዘሎ እቲ ቐንዲ ስጕምትታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ ናይ ድሕነትን ምውጻእን መስርሕ: ናይ ጥዕና ምርመራ :ናብ ሆትስፖትስ ምስጋር : ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዘሎ ዅነታት ተመርኲስካ ጸጥታዊ ምርመራ ምግባር :ብወረቐት ዝተመርኮሰ ሓበሬታ ምሃብ :ኣቀዲምካ መንነት ምፍላጥ (ፎቶ መንነትን ኣምባር መንነትን ምጥቃምን ) ብዛዕባ ስደተኛታትን ዕቝባን ዝገልጽ እዋናዊ ሕጊ ሓበሬታ ምሃብ: መንነቶም ምልላይ: ስእሊ ምልካይ ከምኡውን ቍጽጽር ናይ መዝገብ (ከም EURODAC): ኣብ

ምልካይ ከምኡውን ቍጽጽር ናይ መዝገብ (ከም EURODAC): ኣብ ሆትስፖት ተቀቢልካ ናይ ጥዕና መርመራ ምክያድ ፡ ብፍሮንተክስ ብ እተፈላለየ ደረጃታት ዝርርብ ምክያድ ኣብ ፡ ናብቲ ካልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ማእከል ተቐበልቲ ጋሻ (ከም ማእከል ዞባ፡ ግዝያዊ ዝጸንሕሉ ህንጻታት ወዘተ) ይቕየር። 

ኣገዳሲ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆትስፖትስ ዕቝባ ንምርካብ ዘቕርቦ ሕቶ ወግዓዊ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን እኳ እንተ ዀንካ ብሓገዝ ናይ ማሕበራትን ዩ.ኤን. ኤች. . ኣር.(UNHCR ) ዑቅባ ክትሓትት ትደሊ ሙኻንካ ንገር። ብመሰረት እቲ ሕጊ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ምሃብ እንተ ኣቢኻ ፖሊስ ከተምልጥ ከም እትኽእል ስለዝጥርጥሩ ናብ ሲ. . ኣር. ከመሓላልፉኻ ይኽእሉ ኢዮም ። 

ናይ መጀመርታ ተቐበልቲ ጋሻ ማእከላት 

እዘን ማእከላት እዚአን ብህዝባዊ ትካላት :ብማሕበር ምምሕዳራት ከተማ ከምኡውን ብኻልእ ህዝባዊ ወይ ናይ ብሕቲ ትካላት ኢዩ ዝመሓደር ። እዘን ማእከላት እዚአን ብኣውራጃታት ደረጃ ይፍለጥን ይንቀሳቐስን ። እዘን መሳለጥያታት እዚአን ኣብ መላእ ኢጣልያ ተዘርጊሑ እዃ እንተሃለወ ንተወሰነ ጕዳያት ጥራይ እዩ ኺኽፈት ዝግባእ (ኣብቲ መንግስቲ ንመጀመርታ ግዜ ዚቕበለሉ ማእከላት እኹል ቦታ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን) ። 

.. ኤስ. (ናይ ህጹጽነት/ግዝያዊ ተቐበልቲ ጋሻ ማእከላት) በቲ ምምሕዳራት ዝልለዩን ዝንቀሳቐሱን ናይ ህጹጽነት ማእከላት” (ሰንትሪ ዲ ኣኮግሊንዛ ስትራዲናርያ) ገይርካ ኢዩ ዝርአ። እዚ መሳለጥያታት እዚ ኣብ እተወሰነ ጕዳያት ጥራይ እዩ ኺኽፈት ዘለዎ (ኣብቲ ጎቨመንታል ዚብሃል ናይ መጀመርታ መአከቢ ቦታ እኹል እንተ ዘይኰይኑ) ፣ ኣብዚ ግዜዚ ግና ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ ። 

ቀዳማይ ረድኤትን ተቐበልቲ ጋሻን (. . ኤስ.)

ቀዳማይ ረድኤትን ተቐበልቲ ጋሻን (. . ኤስ.)፤ 

እዚ ብ 2006 .ም ዝተመስረተ፡ ሰባት ናብ ካልእ ማእከላት ቅድሚ ምግዓዞም ቀዳማይ ረድኤትን ናይ መንነቶም ምፍላጥ መስርሕ ዝካየደሉ ተባሂሉ ካብ እተመስረተ ፡ ናይ ቀዳማይ ረድኤትን ናይ ሓገዝ መስርሕ ዝህብ ቀንዲ ቦታ ኮይኑ ሕጂ ድማ ከም ሆትስፖትስ ኰይኑ ብወግዒ ይዓዪ ኣሎ ። ብመሰረት ሕጊ ኣብዚ ቦታዚ ልዕሊ 3 መዓልታት (72 ሰዓታት) ምጽናሕ ኣይፍቀድን ። 

ግዝያዊ ተቐበልቲ ጋሻ ማእከላት – 

እዘን ማእከላት እዚአን ግዝያዊ እኳ እንተኾና ሓያሎ ግን ከም ካልኣይ መስመር ተቐበልቲ ጋሻ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ እዚ ምድብ እዚ (. . ኤን. ) ከምኡ ውን 

ማእከላት ተቐበልቲ ጋሻን ነቶም ዕቝባ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን መአከቢ ማእከላትን (..ኣር.) እውን የጠቃልል። ብመሰረት እቲ ሕጊ እቲ ዝለዓለ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ሲ. . ኤን. ን ቅሩብ መዓልታት ኮይኑ ኣብ (..ኣር.) ድማ 35 መዓልታት ኢዩ። 

ኣብ 2018, እስፕራር ናብ ስፕርዮሚይ ተቀይሩ፦ 

ነቶም ናይ ኣህጉራዊ ዕቝባ ተጠቀምቲ ሰባት ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት ምሃብ ከምኡ ውን ነቶም ሓገዝ ዘይብሎም ወጻእተኛታትን ዚኸውን ሲፕሮሚ መከላኸሊ ስርዓት (ኣዋጅ ቍ. 113 ናይ 4 ጥቅምቲ 2018 ሕጊ ቍ. 132 ናይ 1 ታሕሳስ 2018) እቲ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ግዳያት ዓመጻ : ምጭዋይ : ዘቤታዊ ዓመጽ: ግዳይ ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ምዝመዛ ሸቃሎ ወይ ብዙሕ ናይ ጥዕና ምስኣን ወይ ከኣ ንሲቭላዊ ክብርታት ዚምልከት ተግባራ ዝዀኑ ሰባት ብፍሉይ ምኽንያታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ሓድሽ ሕጊ ጸደቀ። ኣብ ሲፕሮሚ ዘሎ እተሓዋወሰ ናይ ተቐበልቲ ጋሻ እውን ብፍሉይ ምኽንያታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኢዩ ። 

ኣገዳሲ ፦ ካብ ማእከል ተቐበልቲ ጋሻ ክትወጽእ ከለኻ (ንሓጺር እዋን

ኣገዳሲ ፦ ካብ ማእከል ተቐበልቲ ጋሻ ክትወጽእ ከለኻ (ንሓጺር እዋን እውን እንተ ዀነ) ወትሩ ነቲ ናይ መጀመርታ ፍቓድ ምሳኻ ውሰድ ፣እንተ ዘይብልካ ድማ ፍቓድካ ትጽበ ከም ዘለኻ ዘረጋግጽ ወግዓዊ ሰነድ (እቲ ቀንዲ ትርጕም) ምሳኻ ሓዝ ። ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ፖሊስ ኢጣልያ መርመራ እንተ ገይሮምልካ እሞ እቲ ቀንዲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ወረቀት እንተ ዘይብልካ ንሓደ ዓመት ክትእሰርን 2000 ዩሮ ድማ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብቲ ዘለኻሉ ማእከል ተቐበልቲ ኣጋይሽ እተዋህበካ ናይ እንግዶት ወረቀት እውን ወትሩ ምሳኻ ይሃሉ ። 

ኣገዳሲ ፦ ኣብ ዝዀነ ይኹን እትሓድረሉ ማእከል ብዘይ ፍቓድ እንተ ኼድካ ኣብቲ ማእከል ናይ ምጽናሕ መሰል ክትስእን ትኽእል ኢኻ ፣ መሰል ዕቝባ ግና ይግብኣካ ኢዩ ። ካብቲ ትቅመጠሉ ማእከል እንተ ወጺእካ ግን ኣብ ኮሚሽን ዕቝባ ዝመጽእ ሓበሬታ ወይ ካልእ ኣገዳሲ ኣኼባታት ምስማዕ ትስእን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከም መስርሕ ዕቝባ ምቍራጽ ወይ ናብ ታራንቶ ምትሕልላፍ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍጸም ይኽእል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ማእከል ከተኽብሮ ዘሎካ ሕግታትን መደባትን ኣለዋ እንተ ዘይኰይኑ ግን ካብቲ ማእከል ክትስጐጕ ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ዀይኑ ብዛዕባ ሕግታት እቲ ትነብሮ ማእከል በቲ እትርድኦ ቛንቋ ክትፈልጥ መሰልካ እዩ። 

ናይ ምምላስ ቤት ማእሰርቲ (. . ኣር.)፣ 

ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጽናሕ ግቡእ ፍቓድ እንተ ዘይብሎም ወይ ናይ ምምላስ ምምሕዳራዊ ትእዛዝ እንተ ተዋሂብዎም ንግዜኡ ኣብ ግቡእ ፍቃድ ዚሕዙሉ ቦታ ኺእሰሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማእከላት እዚ ፈለማ ኣብ ሕጊ ቱርኮናፖሊታኖ ሲ. . . (ንእተወሰነ እዋን ዚጸንሑሉ ማእከላት) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ፣ ድሕሪኡ ኣብ 2002 .መ ብሕጊ ቦሲ-ፊኒ ሲ.ኣይ.. (ማእከል መንነትን ምስጓጕን) ዚብል ስም ቀየረ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሲ. . ኣር. (ናይ ምምላስ ቤት ማእሰርቲ) ዚብል ስም ኣብ ሚኒቲ-ኦርላንዶ ኣብ 2017 ተሓበረ። ኣብ ፈለማ እቲ ዝለዓለ ንውሓት እቲ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ 30 መዓልቲ

ፈለማ እቲ ዝለዓለ ንውሓት እቲ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ 30 መዓልቲ እዩ ነይሩ (ስእሊ 12 ሕጊ ቱርኮ-ናፖሊታኖ)፣ ሕጊ ቦሲ-ፊኒ ነዚ ናይ መንንነት ምፍላጥ መስርሕ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ ብ2013 ነዚ ናይ 30 መዓልታት ማእሰርቲ ስደተኛታት ብቤት ፍርዲ ናብ 90 መዓልታት ክናዋሕ ገበሩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ብ ዓንቀጽ 2 ኣዋጅ ጸጥታ ነቲ ማእሰርቲ ናብ 180 መዓልቲ ኣናወሖ። ኣብዚ ግዜና ኣብ ኢጣልያ 6 ንጡፋት ሲ. . ኣር. ኣብ ሮማ፡ ባሪ: ብርንዲሲ:ቶሪኖ:ቮቴንሳን ካልታንሴታ ኣለዋ።ኣብ መወዳእታ 2019 እቲ ኣብ ግራዲካ: ዲሶንዞ :ሞዴና :ማኮመር :ኦፒዶ :ማመርቲና ከምኡውን ሞንቲቺያሪ ዝርከብ ሲ. . ኣር. ንጡፋት ክኾና ኢየን ። 

ኣህጉራዊ ስርዓተ ዕቝባ ኣብ ኢጣልያ 

ኣህጉራዊ ዑቅባ ብዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ሃገሩ ብሰንኪ ዓመጽን መስጐጕትን ምጕብዕባዕን ወይ ውን ብሓፈሻ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ መሰረታዊ መሰሎም ምጥሓስ ብሰንኪ ዓሌት ሃይማኖት ዜግነት ማሕበራዊ ጕጅለ (ንኣብነት ጾታዊ ርክብ፡ ጾታዊ ኣረኣእያ ፡ስድራቤት፡ ባህሊ ፡ትምህርቲ ፡ሞያ) ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከምኡ ውን ሃገርካ ኣብ ኣህጉራዊ ዕጡቕ ግጭት ወይ ውሽጣዊ ዕጡቕ ግጭት እንተ ተጸሚዳ ፡ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ኣመልኪቱ ኽሓትት ይኽእል ኢዩ ። ወይ ከኣ ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ ክትኵነን ፡ክትቅተል ፡ክትሳቐ ወይ ከኣ ንናጽነትካን ክብርኻን ዚጥሕስ ኢሰብኣዊ ወይ ሕሱር ተግባር ክትቃላዕ ትኽእል እንተኾይንካ ። 

ዓለምለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ብኸመይን መዓስን ኣበይን ከተመልክት ትኽእል

ኵሉ ሰብ በቲ ፖለቲካዊ ዕቝባ ኽትሓትት ከም እትደሊ ዚገልጽ መግለጺ ዲ ቮሎንታ ” (ፖለቲካዊ ዕቝባ ኽትሓትት ከም እትደሊ ዚገልጽ መግለጺ) ኣቢሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ኣህጉራዊ ዕቝባ

ዚገልጽ መግለጺ) ኣቢሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ከመልክት ይኽእል እዩ ። ዕቝባ ንምርካብ ፍቓድ ካብ እትረክብ ኣትሒዝካ ክሳዕ እቲ ኮሚሽን ዞባ ዝገበሮ ውሳነ ካብ ኢጣልያ ኽትወጽእ ኣይፍቀደልካን እዩ። ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ዝቐረበ መመልከቲ ናይ ውልቀ ሰብ መስርሕ ኢዩ (ወላዲ እንተድኣ ኬንካ ምልክታኻ ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ንኣሽቱ ደቅኻ እውን ዘጠቓልል ኢዩ) ። ዶብ ሰጊርካ ብ መሬት ወይ ብ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ምስ በጻሕካ ናብ ፖሊስ ዶብ (ፖሊዝያ ዲ ዶብ) ወይ ከኣ ኣቀዲምካ ኣብ ኢጣልያ እንተድኣ ኣለኻ ናብ ፖሊስ ስደተኛታት (ኡፊስዮ ኢሚግራዚዮን ዲ ፖሊዝያ) ኣመልኪትካ ክትሓትት ኣሎካ። ዕቝባ ንምርካብ ክትሓትት ከለኻ ኣብ ሃገርካ ስለምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ክትገልጽ ኣሎካ። ድኽነትን/ወይ ኣብ ኢጣልያ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ባህግን ኣህጉራዊ ዕቝባ ንኽትሓትት ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። 

ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ዝሕተት መስርሕ፣ 

ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ ስሩዕ ቪዛ ከይሓዝካ ናብ ኢጣልያ እንተ ኣቲኻ ዕቝባ ንምርካብ ቅድሚ ምሕታትካ ናይ መንነት ምፍላጥ(ምንጻር)መስርሕ ትሓልፍ ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብኡ ክትበጽሕ ከለኻ ስእሊ ዚስእለካን ኣሰር ኣጻብዕካ ዚወስድን ፖሊስ ኣሎ (እዚ መስርሕ እዚ ፎቶሰግናላመንቶን ሪሊየቪ ዳቲሎስኮፒሲን ተባሂሉ ይጽዋዕ) ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ከተመልክት ከለኻ ነቲ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ንእትገብሮ ናይ ቆጸራ ዕለት ዝገልጽ ሰነድ ይቕበለካ። እዚ ኸኣ “C3 ፎርምብምምላእ እዩ ዚግበር። 

ብመሰረት እቲ ሕጊ ጉዳይካ(ናይ ኣህጉራዊ ዑቅባ) ወግዓዊ ምግባር ካብታ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (ኲስቱራ) እትኸደላ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክግበር ኣለዎ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ጉዳይካ ወግዓዊ ክትገብሮ3 – 4 ወርሒ ክወስደልካ ይኽእል እዩ ። ናይ ብሕቲ ሓበሬታ (ስም ዕለትን ቦታን ልደት ዜግነት ብዛዕባ ስድራቤት ዝርዝር ሓበሬታ) ሰነዳትካ ጕዳይካ ካብ ሃገርካ ናብ ኢጣልያ ዝገበርካዮ ጕዕዞ ከምኡውን ስለምንታይ ካብ ሃገርካ ከም ዝወጻእካ ክትሕተት ኢኻ። ምስ “C3 ፎርምብዛዕባ ጕዳይካን ብዛዕባ ኩሉ እቲ

ክትሕተት ኢኻ። ምስ “C3 ፎርምብዛዕባ ጕዳይካን ብዛዕባ ኩሉ እቲ ንዓኻ ዝምልከት ሰነዳትን (ንኣብነት ፓስፖርት ፡ካርድ፡ መንነት፡ ወዘተ) ብዝርዝር ዝገልጽ መዝገብ ከተሰኒ ትኽእል ኢኻ። 

ፖሊስ ነቲ ናይ ቀንዲ(ኦሪጅናል) ሕታም ናይ C3 ፎርም ሒዞም ንዓኻ ቅዳሕ ክህቡኻ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ናይቲ መስርሕ ፖሊስ ኣቲስታቶ ተሸላሚዝብል መግለጺ ይህቡኻ እዚ ማለት ከኣ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ 30 መዓልቲ ዝወጽእ ዕቝባ ዝደሊ ሰብ ዘለዎ ደረጃ ንምርግጋጽ ትጽበ ኣለኻ ማለት ኢዩ። ፎርም C3 ምስ ተወድአን ምስ ተሰርሐን ከም ተጸባዪ ዕቝባ ዄንካ ኽትጸንሕ ፍቓድይወሃበካ፣ እዚ ፍቓድ እዚ ኸኣ ን6 ወርሒ ዚቕጽል እዩ፣ በዚ ፍቓድ እዚ ኸኣ ካብ ዝተዋህበካ ዕለት ድሕሪ ክልተ ወርሒ ክትሰርሕ መሰል ኣሎካ። 

ኣይትረስዕ፦ ፎርም C3 ክትመልእ ከለኻ ስለምንታይ ፖለቲካዊ ዕቝባ ትሓትት ከም ዘለኻ ብንጹርን ብሓጺሩን ግለጽ፣ 

ኣብ ኢጣልያ ምስ በጻሕካ ብኡንብኡ ንብሕታዊ ዝርዝራትካን ቍጽሪ ተሌፎንካን ነቶም ኣብ ኢጣልያ ወይ ኣውሮጳ ዚነብሩ ፈተውትኻ ንገሮም፣ 

እቲ ኣብ መጋባእያ ኮሚሽን ንምቅራብ ትጽበየሉ ግዜ ብንጹር ፍሉጥ ኣይኮነን ፡መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 6 ኽሳዕ 12 ወርሒ ዚወስድ ኰይኑ ኣብቲ ምልክታኻ ዝግምግም ኮሚሽን ከምኡውን ኣብ ብዝሒ እቶም ዚጽበዩ ዘለዉ ኣመልከትቲ እዩ ዚምርኰስ፦ ሓደ ሰብ ከንብብን ክጽሕፍን ዘይክእል እንተ ዀይኑ ንሰበ ስልጣን ወይ ንፖሊስ ክሕብሮም ይኽእል እዩ፣ ቋንቋኻ ዚዛረብ ተርጓሚ ክህልወካ መሰል ከም ዘለካ ኣይትረስዕ። ተርጓሚ እንተ ዘየልዩ ናይ ቈጸራ መዓልቲ ክቅየረልካ ክትሓትት መሰል ኣሎካ ፦ ነቲ C3 ፎርምካ ብቃል ከተንብቦ ኸለኻ ኣድራሻኻ ንፖሊስ ክትህቦም ኣሎካ ፣ ብድሕሪኡ ኩሉ ናትካ ሓበሬታ ምስ ኣህጉራዊ ዕቝባ ዝተሓሓዙ መራኸቢታት ናብ ኩሎም ክትለኣኽ ኢኻ ። ኣድራሻኻ ክትቅይር ከለኻ ንፖሊስ ንገሮም፣ ኩሉ እቲ ን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ን ኣውራጃን ኮሚሽንን

ኩሉ እቲ ን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ን ኣውራጃን ኮሚሽንን እትህቦም ሰነዳትን ካብዞም ሰበ ስልጣን እዚኣቶም እትቕበሎ መዘኻኸሪታትን ወትሩ ቕዳሓት ሓዝ ። 

ከም ኣመልካቲ መጠን ዘሎካ መሰላት፣ 

ኣብዚ ተዘኪሩ ዘሎ መሰላትካ ኢዩ፦ 

ዕቝባ ንምርካብ ዝሓተትካዮ ብኮሚሽን ዞባ ክሳዕ ዚግምገምን ፡ ምናልባት ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ (ዲኒጎ ብጣልያንኛ) ነቲ ይግባይ (ሪኮርሶ) ዘመልከትካዮ ንናይ መወዳእታ ውሳነ ምላሽ ክሳዕ ዝወሃቦን ኣብ ኢጣልያ ኽትጸንሕ መሰል ኣሎካ። 

ምስ ኮሚሽን ክሳዕ እትራኸብን ፡ ናይ ኣጋጣሚ ኾይኑ ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ ኣንጻር እቲ እተነጽገ ይግባይ እንተ ድኣ ሓቲትካ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳዕ ዝወሃበካ፣ መሕደሪ ፡ መግቢ ከምኡውን ኣድላዪ መሳለጥያታት ናብ ዘለዎ መአከቢ ቦታ ናይ ምእታው መሰል ኣለካ፣ ናይ ማእከላይ ማሕበር /ወይ ተርጓሚ ብዛዕባ ዅነታትካ ብቛንቋኻ ናይ ዝዛረብ ሰብ ክህልወካ መሰል ኣለካ፣ 

ን ዕቁባ ዝሓቱን ን ስደተኛን ዝከላኸላ ማሕበራት ከም (.ኤን. ኤች. . ኣር )ወይ (ኤን..) ናይ ምርኻብ መሰል ኣለካ። 

ኮዲሰ ነንዕቝባ መሰል ይህልወካ ብኡ ኣቢልካ ናብ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ክትጽንበርን ጥዕናዊ ክንክን ክትረክብ ትኽእል 8w2eu.info/italy.en/ articles/italy-medical.html፣ ብኮሚሽን ትጽውዓሉ እዋን ትጽበ እንተ ኣሊኻ ድሕሪቲ ናይ መጀመርታ ፍቓድ መንበሪ ምስ ተዋህበካ ድሕሪ 2 ወርሒ ክትሰርሕ መሰል ይህልወካ ፣ 

ንሕሉፍ ታሪኽካ ኣዳሉ (መሞርያ

ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ በቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትነብረሉ ከተማ ወይ ዞባ ዝርከብ ኮሚሽን ዞባ(ኮሚሽን ተሪቶርያል) ኢዩ ዝግምገም , (ኲስቱራ ብዛዕባ ብኮሚሽን እተገብረ ሓድሽ ዕለት ቆጸራ ክሕብረካ ኢዩ) ። ንምስማዕ ኣጸቢቕካ ኽትዳሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ብእተኻእለካ መጠን ልክዕን ንጹርን ክትከውን

ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ብእተኻእለካ መጠን ልክዕን ንጹርን ክትከውን ክትጽዕር ኣሎካ። ጠበቓ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ናይቲ ትሓድረሉ ዘለኻ ማእከል ተቐበልቲ ጋሻ ጉዳይካ ንኽትጽሕፍ ኪሕግዘካ እዩ (መዘከርታ ተባሂሉ ዚጽዋዕ) ናብ ኮሚሽን ዞባ ድማ ኪሰድዶ እዩ። 

ንታሪኽካ ብዝበለጸ መገዲ ኣዳልዎ፣ 

1) ፈለማ ሃገርካን ዜግነትካን ፡ዝተወለድካሉ ቦታን ዕለትን ፡ እትቅመጠሉ ቦታ፡ ዝተመሃርካዮ ዓመታት፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ስራሕካ፡ ወለድኻ፡ ሰብኣይኪ/ ሰበይትኻ፡ ውሉዳት እንተ ኣሎካ፡ ዓሌትካ፡ ሃይማኖትካ፡ ኣባል ማሕበራዊ ጕጅለ ወይ ፖለቲካዊ ሰልፊ እንተ ኮይንክ ክትጠቅስ ይግባእ። 

2) ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ግለጸሎም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ጸገማት (ንኣብነት ቤት ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ዓመጽ ፡ማህሰይቲ፡ ምግሳስ ፡መቝሰልቲ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት፡ ምፍርራህ ፡ኣገዲድካ ምምርዓው ወዘተ።) ዘሕለፍካዮ ዓመጽን ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ሃብ ፡ ብዘይካዚ ኣብ ስድራ ቤትካ ተመሳሳሊ ጸገማት ዘጋጠሞ ሰብ እንተ ኣልዩ ጥቐስ ። 

3) ድሕሪኡ ብኸመይ ከም ዘምለጥካ፡ ነተን ዝሓለፍካየን ሃገራት ብኸመይ ከም እተጓዓዝካ ግለጽ ፡ክንደይ ዚኣክል ገንዘብ ከምዝከፈልካ ፡ ዘሕለፍካዮ ማእሰርቲ ፡ስቓይ ከምኡውን ምጕብዕባዕ ከም ዘጋጠመካ፡ እተጓዓዝካለን ሃገራት ነጋዶ ከምኡውን ንምስጋር እትኸፍሎ ገንዘብ፣ ድሕሪኡ ዝርዝር ስለምንታይ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ዘይትኽእል ሙኻንካ? ኣብ ዓድኻ ዘሎ ሕግታትን/ወይ ልምድታትን ኣብ ሃገርካ መሰላትካን ናጽነትካን ዝጥሕስን እቲ ንዓኻ ዘስዕቦ ጭቡጥ ሓደጋ ፡ስለምንታይ ካብ ፖሊስ ወይ ኣባላት ስድራ ቤት ሓገዝ ኢልካ ክትሓትት ከም ዘይትኽእል ጥቀስ፡ ንምዝኽኻር ፣ ምስ ዝኾነ ኣብ ዓድኻ ዘሎ ሰብ ገና ትራኸብ እንተ ደኣ 

ሃሊኻ ምዝካር ኣይትረስዕ።

መዘከርታ፡ 

ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ካብ እትጅምር ኩሉ ንዓኻ ዝምልከት ነቲ ዝበልካዮ ዘረጋግጽ ኣብ ሃገርካ ስለምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለካ ዘረጋግጽን ብሕታዊ ሰነዳት(ደብዳበታት፣ ናይ መንነት ካርድ፡ ምስክር ወረቐት ወዘተ) ፡ ንኣዝማድካን ንፈተውትኻን ነዚ ሰነዳት እዚ ክሰዱልካ ብምሕታት ከተዳሉ ኣለካ ። ካልእ ዓይነታት ወረቀት ከም ምስክር ወረቐት ናይ ሕክምና ጸብጻብን ዝኣመሰሉ ሰነዳት ኣብ ኢጣልያ ከተዳሉ ትኽእል ኢኻ ። ነዚ ሰነዳት ቅድሚ ናይ ውሳነ መዓልቲ ናብ ኮሚሽን ክትልእኮ ትኽእል ኢኻ ፡ ኣብታ ናይ ውሳነ መዓልቲ ግን ኣገዳሲት ስለዝኾነት ንዅሉ እቲ ዘሎካ ሰነዳት ምሳኻ ሒዝካ ነቲ በዓል መዚ ስልጣን ክትህቦ ይግባእ ። 

ዞባዊ ኮሚሽን 

ብመሰረት ሕጊ እቲ ኮሚሽን-ገለ ፍሉያት ጉዳያት ገዲፍካ- ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ (ወይ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ ) ውሳነ ክህብ ይግብኦ ። 

እቲ ኮሚሽን ከምዚ ዝስዕቡ ውሳነታት ክውስን ይኽእል እዩ ፦ 

ተቀባልነት፣ 

5 ዓመት ዘገልግል ናይ መንበሪ ፍቃድን (ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝወደቀሉ ግዜ ዚሕደስ) ከምኡ ውን ን 5 ዓመታት ዘገልግል ናይ ጉዕዞ ሰነድ ይወሃበካ፣ 

ዘይተቀባልነት፣ 

ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ከም ዘለኻ ኣፍልጦ ኣይወሃበካን ፡ ብምኽንያታት ሰብኣዊ ምድንጋጽ ግን ናይ 2 ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ ንክህቡኻ (ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ዝወደቀሉ ግዜ ብ ኮሚሽን ድሕሪ ምግምጋሙ ከም ብሓድሽ ክትሕደስ እትኽእለሉ ) ከምኡውን 2 ዓመት ዘገልግል ናይ ጕዕዞ ሰነድ ብ ክፍሊ ፖሊስ ከምዝወሃበካ ይግበር፣

ናይ ጕዕዞ ሰነድ ብ ክፍሊ ፖሊስ ከምዝወሃበካ ይግበር፣ 

ዘይተቀባልነት፣ 

ንስኻ ከም ስደተኛ ተፈላጥነት ከምዘይብልካን ካብ ክሊ ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክትወጽእ ከም ዘለካ ዝሕብር ትእዛዝ ኢዩ።ኣብዚ ግዜዚ ጠበቃ ብምግባር ይግባይ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 

ምንጻግ፣ 

እቲ ዘቅረብካዮ ሕቶ ነቶም ኣህጉራዊ ዑቅባ ከውህቡኻ ዝኽእሉ መሰረታውያን ነገራት ከምዝጎደሉዎን ፡ እቲ ዘቅረብካዮ ሕቶ ን ምዱንጋይን ንከይትስጎግን ኢልካ ዘቅረብካዮ ብሙኻኑ ዝወሃበካ ውሳነ ኢዩ። ኣብዚ ግዜዚ ይግባይ ንምሕታት ምስ ጠበቓ ተራኸብ። 

ገለ ዕቝባ ዝሓተቱ እቲ ሕቶኦም ብ ግሁድ መሰረት ዘይብሉ” (“per manifesta infondatezza”) ጌርካ ዝተነጽገ ምስ ዝኸውን ናይ ምውጻእ ጉዳዮም ዝቐልጠፈ ኣሰራርሓብ ቅልጡፍ ኢዩ ዝካየድ ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ ዝወሃበካ ግዜ ፍርቂ ግዜ ኢዩ (15 መዓልታት ኣብ ክንዲ 30 መዓልታት) ፣ ኣንጻር እቲ ዝተዋህበ ናይ ምንጻግ ውሳነ፣ ይግባይ ምባል እቲ ውሳነ (ብኲስቱራ) ምስ ተነግሮ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ። 

ኣገዳሲ፣ 

ከም ስደተኛ ወይ ብ ግብረ ሰናይ ተፈላጥነት እንተ ረኺብካ ዕቝባ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ኤለክትሮኒካዊ ፍቓድን ናይ ግዕዞ ሰነድ እንተ ኣልዩካ ከኣ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሕብረት ኤውሮጳ (ብጀካ ዴንማርክን 

ዓባይ ብሪጣንያን ኣይርላንድን) ብዘይ ቪዛ ን ሰለስተ ወርሒ ከይተሰከፍካ ናይ ምግዓዝ መሰል ኣለካ ። 

ናብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ምኻድ ፣ 

ዓለምለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ እንተ ኣመልኪትካ ብመሰረት እቲ ሕጊ ኣብ ኢጣልያ ንጹር መልሲ ኽሳዕ እትረክብ ናብ ካልእ ሃገር ኣውሮጳ

ኣብ ኢጣልያ ንጹር መልሲ ኽሳዕ እትረክብ ናብ ካልእ ሃገር ኣውሮጳ ኽትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ስርዓት ዳብልን ዚብሃል ሕጊ ኣሎ ፡ ሓደ ስደተኛ ኣበየነይቲ ሃገር ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዕቁባ ክሓትት ከም ዘለዎ ዝሕግዝ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ኣለዎ ። 

ኣብ ኢጣልያ ተፈላጥነት ረኺብካ ኣሰር ኣጻብዕቲ እንተ ተታሒዝካ ፣ ሃገረ ኢጣልያ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ዘመልከትካዮ ክትምርምር ይግብኣ ፣ ስለዚ ናብ ካልእ ሃገር እንተ ኼድካ ናብ ኢጣልያ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። 

ብመሰረት ዳብልን ስርዓታት 3″ እዚ ዚስዕብ ሓለፋታት ኣሎ፦ () “ሉዓላውነትከምኡውን ሰብኣዊ ኣዋጅብዝእዝዞ ፥ እተወሰነ ውልቀ ሰብ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ዘመልከቶ ኣብታ ቐዳመይቲ ሃገር ዘይኰነስ ኣብታ እቲ ዕቝባ ዝደልየላ ዘሎ ሃገር እዩ ዚግምገም ። 

( ) ኣብ ኢጣልያ ን 12 ወርሒ ዕቝባ ንምርካብ እንተ ዘይሓቲትካ ኣብ ኢጣልያ ዑቅባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ምኽንያቱ ኢጣልያ ነቲ ናትካ ናይ ዑቅባ ሕቶ ሓላፍነት የብላን። 

() ናብ ኢጣልያ እንተ በጺሕካ ፣ ዑቅባ ድማ እንተዘይሓቲትካ ቅድሚ ሕጂ ድማ ን 5 ኣዋርሕ ኣከታቲልካ ኣብ ካልእ ኤሮቫዊት ሃገር ከም ዝጸናሕካ ዚሕብር መርትዖ እንተተረኺቡ ፤ ናይ ዑቅባ ሕቶኻ ኣብታ ቀዳመይቲ ሃገር ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ። 

) ናይ ቀረባ ዘመድካ (ማለት ሰብኣይኪ፡ ሰበይትኻ፡ ኣቦን፡ ኣደን ፡ ወዲ/ጓል ) ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ኤውሮቫዊ ሕብረት ናይ ዑቅባ መሰል ዝተዋህበ እንተ ሃልዪካ ፣( ስድራ ቤት እንደገና ክሓብሩ/ ሪኮንጂዩንጊመንቶ) ብዝበሃል መስርሕ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ ።ከምኡ ንምግባር ኣዝማድካ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ብጽሑፍ ኪሓትቱ ኣለዎም፣ ትሕቲ ዕድመ እንተ ዀይንካ[ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ) ኣብታ ሃገር ሓደ ካብ ቀረባ ስድራ ቤትካ (ንኣብነት

18 ዓመት ንታሕቲ) ኣብታ ሃገር ሓደ ካብ ቀረባ ስድራ ቤትካ (ንኣብነት ኣቦ፡ ኣደ፡ሓዊ፡ ሓፍቲ፡ወድኻ/ጓልካ(ትሕቲ ዕድመ ምስ ዝኾኑ)፡ ኣኮኻ፡ ሓትነኻ፡ዓባይካ ] ዝርከብዋ ሃገር ምስ ስድራ ቤትካ እንደገና ክትሓብር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ።