close
language
icon for Virtual Volunteer-white_Elena

ሕማም ኮሮና ቫይረስ 2019 (ኮቪድ-19)

ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ብምትሕብባር ኣብ ከም ን ኮቪድ-19 ዝመሰል ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ኢለን ዝተዳለዋ ፍሉያትን ልዑል ባዮሎጂካዊ መከላኸሊ ዘለወን ማካይን ተጠቂሙ ነቶም ዝተጠርጠሩ ኣካላት ነናብ ዝግብኦም ጥዕናዊ ክንክን ኣብ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ቦታታት ብጥንቃቐ ንምብጻሕ ብንጥፈት ይዓዪ ኣሎ።

ኣብዚ ሊንክ እዚ ምስ ኮቪድ-19 ዚተሓሓዝ ብዙሕ ግዜ ዝሕተቱ ሕቶታት ምስ መልሱ ይርከብ ። 

እዘን ዝስዕባ ናይ ተሌፎን ቍጽርታት ምስ ኮቪድ-19″ ዝተሓሓዝ ሓበሬታ ንምርካብ ክትጥቀመሉ ትኽእሉ ኢኹም

– CRI FOR PEOPLE – CRI (800 065510) 24 ሰዓታት ንጡፍ (H24) ብ ነጻ ክትድውል ትኽእል። ዕላማኡ ድማ

ብዛዕባ መልከፍትን ወይ ንመልከፍቲ ዘቃልዑናን ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕማማት ይህብ: ንዝዀነ ይኹን እተሸገረ ሰብ ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ንዝርከቡ ጨንፈራትን ንወለንታውያን ኣብያተ-ጽሕፈት ሲ. ኣር ን ደገፍን ሓበሬታን ይህብ። 

ዝሰልጠኑ ኣባላት ብቐጥታ ነተን ጨንፈራት ብምስታፍ ንዝተደልየ ኣገልግሎታት ውሕስነት ይህቡ ኢዮም። 

ሚኒስትሪ ጥዕና ፦ ቁጽሪ ቴሌፎን-1500 ብሓገዝ ባህላዊ ማእከላት ን ወጻእተኛታት ። ኣብ ታሕቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና እተዋህበ መምርሒታት ይርከብ፦ 

ኣእዳውካ ከይተሓጸብካ ኣዒንትኻን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ምሓዝ ኣወግድ።